![]()
ቃል ይከበር
ቃልካ ምኽባርን ኣብ ቃልካ ምጽናዕን ልዕሊ ኩሉ፡ ናይ ሕልና ርውየትን ናይ መንፈስ ዕረፍትን ዝህብ ወረጃ ባህሊ እዩ። ኣብ ሓደ
ሕብረተሰብ ቃል ምኽባር ከም ባህሊ ምምዕባል፡ ኣብ ሕድሕዱ ዝተኣማመንን ዝከባበርን ብጎደና ምዕባለ ዓቕምታቱ ጠሚሩ ክምርሽ ዓብይ
ዓቕሚ ዝፈጥረሉ እዩ። ኣብ ቃልካ ምጽናዕን ቃልካ ምኽባርን መለለዪ ሕላገት ህዝብታት ኤርትራ እዩ እንተተባሃለ ምግናን ኣይኮነን።
እንተኾነ ግን ወረጃ ባህልን ውርሻን ህዝብታትና ዝኾነ ቃልካ ምኽባርን ኣብ ቃልካ ምጽናዕን ዝብል፡ ብፋሽስታዊ ስርዓት ኢሳይያስ
ብተደጋጋሚ ብጥልመትን ክሕደትን እናተተከአ ብምምጽኡ፡ ሃገራዊ ሓድነትና ኣብ ፈተና ክወድቕ እናኾነ ዝመጻሉ ኩነታት ይረአ ኣሎ።
ጥሙር መኸተ ኣንጻር መን?
እቲ ብሩህ ሓቂ ግን፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት፡ ንህዝብታት ኤርትራ ኣድለይቲ ዝኾኑ ሃለኽቲ ኣቑሑት ካብ ወጻኢ ናብ ውሽጢ ዓዲ ከይኣትዉ ማዕቀብ ኣይገበረን፡፡ ሰብ ሃብቲ ደቂ ሃገርን ወጻእተኛታት፡ ነጻ ኮይኖም ኣብ ንግዳዊ ንጥፈታት ተዋፊሮም ንባዕሎም ተጠቒሞም ንህዝብታትና ክጠቕሙ ማዕቀብ ኣየንበረን፡፡ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ደገ ዘለዉ ወገናት፡ ብቐጥታ ኣብ ዓዲ ንዘለዉ ስድራታቶም ገንዘብ ከይልእኩ ማዕቀብ ኣየመሓላለፈን፡፡ ማዕቀብ ባይቶ ጸጥታ፡ ገንዘብ ናብ ካዝና ኢሳይያስን ጉጅለኡን ከይኣቱ ጥራሕ ዝኽልክል እዩ፡፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት፡ ሽኮር፣ ፊኖ ከምኡ’ውን ነዳዲ ብመራኽብ ተጻዒኑ ናብ ኤርትራ ከይኣቱ ኢሉ ኣይኣገደን፡፡ ብኣንጻሩ ንህዝብታትና ንመዓልታዊ ሂወቶም ይኹን ንዘላቒ ዕብየቶም ዝጠቕሙ ቁጠባውን ንግዳውን ንጥፈታት ከይሰላሰሉ ከቢድ ማዕቀብ ኣምቢሩ ጅሆ ሒዙዎም ዘሎ፡ ባዕሉ ርእሰ ፋሽስት ኢሳይያስ እዩ፡፡ ስለዝኾነ’ውን ‘’ነታ ዘላታስ ተወሰኸታ’’ ከም ዝበሃል፡ ኣብ ልዕሊ ውሳነ ማዕቀብ፡ ተቓውሞ ህዝብታትና ንምልዕዓል
ካብ ዝብል ጸቢብ ጉጅላዊ ሒሳባት ነቒሉ፡ ኣብ ልዕሊ መነባብሮ ህዝብታትና ተወሳኺ ማሕበራውን ቁጠባውን ማዕቀብ ዝጽዕኖም ባዕሉ ፋሽስታዊ መንግስቲ ኢሳይያስ’ምበር ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ኣይኮነን፡፡ ፋሽስታዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኮነ ኢሉ ብዝኽተሎ ስዉርን ርኹስን ሜላ፡ ኣብ ልዕሊ መነባብሮ ህዝብታትና ዝወርድ ተወሳኺ ማሕበራውን ቁጠባውን ቅልውላው፡ ብሕታዊ ተሓታቲኡ ባዕሉ ስርዓት ኢሳይያስ እዩ። ስለዝኾነ’ውን ውሳኔ ማዕቀብ ባይቶ ጸጥታ፡ ኣብ ልዕሊ ጎረባብቲ ሃገራትን ዞባናን ክዕንድርን ሰላሞም ክዘርግ ዝጸንሐ ፋሽስታዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣደብ ክገዝእ ዝገብሮ ብምዃኑ፡ ህዝብታትና ብሽም ‘’ጥሙር-መኸተ’’፡ ንርእሰ ፋሽስት ኢሳይያስን ጉጅልኡን ከድሕኑ ዘይኮኑስ፡ ኣብ ዓቕሊ ጽበት ተሸሚሙ ዘዕለብጥ ዘሎ ስርዓት፡ ሓመድ ድበኡ ናብ ዘቀላጥፍ ህዝባዊ ናዕቢ ክቕይሩዎ ይግባእ፡፡ ንምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ጠውቁ
ቤት ጽሕፈት ዜናን ፕሮፖጋን ሰደግኤ
መጻኢና ብሩህ ንክኸውን…..!
ፋሽስታዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ውሽጢ’ዚ 18 ዓመታት ዕድመ ስልጣኑ ብውሽጥን ብደገን ዝኸተሎም ጸረ-ሰላም ፖሊሲታቱ ድምር ውጽኢት ናይ’ዚ ዞባ’ዚ ኣርሓ ናይ ራዕድን ሽበራን ስርዓት ምዃኑ ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለም ተቓሊዑ’ዩ:: እዚ ስርዓት’ዚ ካብ’ዚ ጸረ ሰላም ባህርያቱ ተበጊሱ ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ሃገራት ብዝወለዖ ኵናት ኣብ ጎንጽን ግርጭታትን ተሸሚሙ’ሎ:: ብዋጋ ህላወን ቀጻልነትን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ እናተቛመረ ኩሉ ሰብኣውን ነገራውን ጸጋታት ሃገር ንረብሓ ፋሽስታዊ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ኣብ ዘሳወሮ ጸረ-ሰላም ወፍርታቱ ጸሚዱ ንምጽናቱ ኣበርቲዑ ይሰርሕ ኣሎ:: በዚ ጸረ-ሰላም ፖሊሲታት ፋሽስታዊ ስርዓት ህግደፍ ብቐዳምነት ግዳይ ዝኾኑ ህዝብታት ኤርትራ’ዮም:: ስለዝኾነ ከኣ ኣብ ከቢድ ፖለቲካዊ ማሕበረ-ቁጠባዊ ሽግራት ተረግሪጎም መጻኢ ህላዊኦም ጸልሚቱ ኣብ ዝባኖም ናይ ብርሰትን ምብትታንን ሓደጋ ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ኣንጻላልዩዎም ኣሎ:: ፋሽስታዊ ስርዓት ህግደፍ ዝተኸተሎ ጸረ-ሰላም ፖሊሲ ካብ ውሽጢ ናብ ደገ እናተወንጨፈ ዝኸይድ ብምዃኑ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን ዝልክም ጠንቂ ከቢድ ናይ ጸጥታ ሓደጋ ምዃኑ’ውን ኣይተረፈን:: ንምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ጠውቑ
ቤት ጽሕፈት ዜናን ፕሮፖጋን ሰደግኤ
ጽፉፍ ቅድመ ምድላው፡ ንዕዉት ሰፊሕ ዋዕላንዲሞክራስያዊ ለውጢ!ሓይሊ ተቓውሞና፡ ተወፋይነትን ንቕሓትን ህዝብታትና ደረጃ ብደረጃ ከም ዝምዕብል ብምእማን፡ ካብ ደምበ ጸላኢ ተነጺሉ ንዝመጸ፡ ኣብ ዝተሓተ ሓባራዊ ዕላማታት ኣጽሊሉ፡ ኣንጻር ጸላኢ ዓቕምታቱ ከበርክት ከተባብዕ ይግባእ፡፡ ህዝቢ ብመስርሕ ፖሎቲካዊ ፍልልያት ተቓውሞ ውድባት እናለለየ ዘዋጽኦ ፖሎቲካዊ ኣማራጺ ነጻ ኮይኑ ክውስን ዘለዎ መሰል ክሳብ ዘይተኸበረሉ፡ ተሳትፎኡ ኣንጻር ስርዓት ኢሳይያስ እናደንፍዐ ዝኸደሉ ኩነታት ክፍጠር ከምዘይክእል ምግንዛብ የድሊ፡፡ ስለዝኾነ’ውን ኣብ ሞንጎ ሓይሊ ተቓውሞ ዘለዉ ፖሎቲካዊ ፍልልያት ብሰላማውን ዲሞክራስያውን ኣገባብ መወገኒ ዝረኽቡሉ ቅኑዕ ኣንፈት ብምኽታል፡ ህዝብታትና ኣንጻር ስርዓት ኢሳይያስ፡ ኣብ ዝተሓተ ፖሎቲካዊ ፕሮግራም ተጠርኒፎም ክቃለሱ ዝኽእሉሉ ዕድላት ክረኽቡን፡ ቀስ ብቐስ ድማ ዘዋጽኦም ፖሎቲካዊ ኣማራጺ ሒዞም ተወዲቦም ዝቃለሰሉ ምቹእ ኩነታት ክፍጠረሎም የድሊ። ስለዚ’ምበኣር ሓደ ካብቶም ቀንዲ ተልእኾታት ሰፊሕ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ በብእዋኑ ካብ ጸላኢ እናተነጸሉ ዝኸዱ ዘሎዉ ህዝብታትና ኣብ ጽላል ደምበ ተቓውሞ ተጠርኒፎም ናይ ቃልሲ ኣበርክቶኦም ክብ ዘብሉሉ ጥዑይ ሃዋሁው ዝፈጥር ናይ ኣረኣእያ ለውጢ ምምዝጋብ እዩ፡፡ ንሙሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ጠውቅ
ቤት ጽሕፈት ዜናን ፕሮፖጋን ሰደግኤ